ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽርኣ ትጽሕጽ!
ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት!
ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ፣ እቲ ሕቡእ ምስጢራት እንዳ ህግደፍ ዳርጋ ደፋእ እንዳበለ ክቕላዕ ንርእዮ ኣሎና። መኽንያቱ ድማ ንሓቂ እንተድኣ ብርእሳ ቀቢርካያ ብኣግራ ከኣ ከምትወጽእሲ ባህርያዊ ስለዝኾነ። እወ! መስጣ እቲ ከም ውሕጅ ዝፈስሰ ደም ንጹሃት ጀጋኑ ኤርትራን፣ መስጣ እቲ ራእዪኡ ዝተጠልመ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድኣ ብቕቀደሙስ፣ ንብዓል ክናናን ምናንን (እንዳ ኢሰያስን ህግደፍን) ኣበይ ከይሰዶም!! እወ! “መርገም ወላድስ እንተዘይቀተለኳ የዕነኒ“ ስለዝኾነ፣ እንሆ ኢሰያስ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ ይነብር ኣሎ።ሃገር ከኣ ብስለላ መርበብ ሞሳዓድ ትሕሎ ኣላ። እቶም ኮራዅሩ ድማ ክበታተኑ ይጅምሩ ኣለው። እቶም ተሪፎም ዘለው ተረፍመረፍ ሰለይትን ቀንጸልትን ግና፣ ነቲ “ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራኣ ትጽሕጽሕ“ ዝብል ምስላ ኣበዋት ስለዘይስቆሮም፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ እንዳበሉ፣ ነቲ ኣስከሬን ተሪፉ ዘሎ ስልጣን ኢሰያስ ገና ብጽገናን ልገባን ክቐንዩዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ነቲ ቁሩብ-ቁራቦ ተሪፉ ዘሎ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ግና ከረብርቡዎ ክፍትና እዮም።
እሞኸድኣ ኣብ መወዳእታኸ ምስጢሮም ምስተኸሽሐ ኣበይ እዮም ክኣትው?
ዝርዝር ኣስማት ኣባላት ማእከል ስለያን ምክትታል ጸረ ስለያን ኤርትራ
ንሎሚ በዚኦም ክንጅምር ኢና፣ ኣብዝቕጽል ግዜ ግና በብተራ ኣስማቶምን መበቆሎምን ኣተሓሒዝና ክንዝርሖም ክንጽዕር ኢና። መብዛሕትኦም ብሳጓ ኣስማት ስለዝጽውዑ ብዝክኣል መጠን እቲ ዝተጠምቁሉ ኣስማትን ዓዶምን ንኽንረክብ ክንድህስስ ኢና።
1ይ) ጥዓመ መቐለ
እዚ ሰብዚ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ዝዓበየ ኣብ ዶብ ኣከለጉዛይ ጥቓ ዛላምበሳ ዝርከብ ንእሽቶ ዓዲ ዝተወልደ፣ ሓደገኛን የማናይ ኢዱ ንኢሰያስን ዝኾነ፣ ሰላዪ ስግረዶብን ምኣከል ሃገርን እዩ። ብዙሕ ብዛዕባዚ ነፍሰገዳይ እዚ ክንጽሕፍ ግዜ የብልናን፣ ነዚኣ ንኽንሕንጥጥውን ደም እንዳ ጠዓመና ኢና። ዝኾነ ኮይኑ ጠዓመ መቐለ ብትእዛዝ ኢሰያስ ብፍልይቲ ነፋሪ ተሰንዩ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብርቕን ሃገራት ኣዕራብን፣ ወላውን ንኤውሮጳ ዝመላለስ፣ ብማእለያ ዘይብሉ ገንዝብ ሕጽቦን (Money Laondryand Drug Trafiking) መሸጣ እጸፋርስ ሄሮይንን ኮከይንን ካናቢስን ዘካይድ ዲፕሎማሲ ፓስፖርት ዝውን፣ ምሸጣ ብዓቢኡ ኣጽዋርን ንኣልሸባብን ካልኦት ግንባራትን ዘማላልስን፣ ግንከኣ ምስቶም ኣውራ ኣሕሉቕ ወይ ኣባላት ስለላ መርበብ ሞሳዓድን ሲኣይኤን ዝራኸብ ቶዅላ እዩ። እዚ ሰብዚ፣ ካብቶም ኣባላት ማእከል ስለያን ምክትታል ጸረ ስለያን ዝኾኑ (ሚሊታሪ ኢንተለጀንስ) ህግደፍ ድሕሪ ኢሰያስ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዕሉል ማፍያ እዩ።
2ይ) ስምኣን ገብረድንግል
ዓዱ ማዕረባ፣ ግንከኣ ከምቶም ኩሩዓት ደቀባት ደቂ መሮኒ ደቂ ኣከልን ጉዛይ
ደቂ ጽንዕይን ደግለልን፣ ደቂ ስመጃናንን ምድረ ሰበነን ኣይኮነን። እወ፣ ከምኒ ኢሰያስን ክሻ ቅልውላው መንነት ዘለዎ ወይ ካብቶም ብመንነቶም ዘይኮርዑ ዓሌት እዩ። ን
እብ ሃገር ሩስያ ምስ ብዓል ናይዝጊ ክፍሉ ተማሂሩ ዝብሃል ምሁር እዩ። ብስለላ መርበብ ከይጂቢ ሰልጢኑ እዩ ኣብቲ መጀመርያ ኣዋን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። ኣብ ሜዳ ከል ብኢሰያስ ተመልሚሉ ሓላፊ ክፍሊ ሬድዮ ስለላ ነይሩ ኩሉ ጸብጻብት ድማ ንጎይትኡ ኢሰያስ የማሓላልፈሉ ነበረ። ሎሚ ድማ ሓላፊን ኣዛዚ ቀንጸልቲ ኣሃዱታትን ከምኡውን፣ እዛዛይ መርመርትን ጨፍጨፍትን ኣብያተ ማእሰርቲ መላእ ሓማሴን እዩ ዘለው ሱራት እዩ። ብፍላይ ንደቂ ሓምሴን ከጽንት ዝተመልመለ ኣረሜን እዩ። ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ኮይኑ፣ ግንከኣ ገባርን ሓዳግን መላእ ህዝቢ ሓማሴን ዝኾነ ኣረሜን ነብሰ ገዳይ እዩ።ድማ ንሱ ጥራይ እዚ ክንብል ከሎና ስምኦን ንደቂ ኣከለጉዛይ ይሓሊ እዩ ማለትና እይኮነን፣ ንብ°aል ድሩዕን መሓመድ ሸሪፎን፣ ንጅግና ዑቕበ ኣብርሃን እኮ ንሱ እዩ ኣሲሩዎም። ስለዚ ስምኦን ኣብ ኣከለጉዛይ ኣውራጃ፣ ንህዝቢ ኣከለጉዛይ ዝሓሊ ወሎዳዊ ኩርዓት ስለዘይውንን፣ ነደቂ ኣከለጉዛይ ክሕግዝ ኣይክእልን እዩ። ካብ ደቀባት መበቆል ኣከለጉዛይ ስለዘይብሉ፣ ንህዝቢ ኣከለጉዛይ ክሓሊ ኣይክእልን እዩ።
3ይ) ሰለሙን ኣብርሃ
እዚ ሰብዚ ብሳጓ “ወዲ ኣፈወርቂ” ዝጽዋዕ፣ ግንከኣ ቀንዲ ስሙ ሰለሙን ኣብርሃ ዝብሃል ሰብ፣ ብ1982 ዓ.ም.ፈ. ብትእዛዝ ኢሰያስን ኣፈወርቅን፣ ጴጥሮስ ሰለሙንን፣ ኣብታ ክፍሊ ስለላን ጸረ ስለላን ዝኾነት ትካል ሓለዋ ኢሰያስን ጎይቶቱን፣ መዝነት ተዋሂቡዎ ንሃገር ጀርመን ከተማ ኣተወ። ኣብኡ ድማ ዑቕባ ሓቲቱ ፣ ተቐባልነት ዑቕባ ረኸበ። ከም ተራ ዑቕበኛታት ኤርትራ ተመሲሉ ድማ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ከይሰርሐ ብምጽወታ ግብረ-ሰናይ (ሶሻልኣምት) ሃገር ጀርመን ይጥወር ነበረ። ካብ ሓንቲ ኣብ ሉድቪግስቡርግ ንኡስ ከተማ ሽቱትጋርት ትነብር ሰበይቲ ድማ ሓንቲ ጓል ወለደ። ድሮ እታ ጓሉ ከባብ 28 ዝዕድሜኣ ኮይናላ። ቀንዲ ሞያኡ ስለላን ኮለላን ኣብ ኤውሮጳ ኮይኑ ከኣ ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ ከም መራሕ መስርዕ ክፍሊ ማእከላይ ስለላን ጸረ ስለላን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኤውሮጳ ኮይኑ ጸብጻባቱ ቀጥታ ንኢሰያስ ኣፈወርቅን ንጴጥሮስ ሰለሙንን የመሓላልፍ ነበረ። ምስኡ ብሓባር ዘገልግል ዝነበረ፣ ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ቁጠባዊ ሜዳይ ንጡፍ ሰላዪ ዝነበረ ድማ፣ ብዮናስ ዝብሃል ሳጓ ዝፍለጥ ቀንዲ ስሙ ግና፣ ዮሴፍ ዝብሃል ካብ ጀርመን ብትእዛዝ ኢሰያስ ንሱዳን ተሳሒቡ፣ ኣብኡ ባዕላ ኣታ ቀንጻልት ሰልፊ ክፍሊ ስለላን ኮለላን ሸሚማቶ።
እዚ ብሳጓ “ወዲ ኣፈወርቂ” ዝፍለጥ ሰብዚ ግና፣ ንብጻዩ ዮሴፍ ኣቐንጺሉ፣ ብጎይታኡ ኢሰያስ እሙን ስለዝኾነ፣ ካብ 1992 ዓ.ም.ፌ. ጀሚሩ፣ መጀመርያ ምደብ ስርሑ ኣብ ኣየር ፖርት ኣስመራ ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን ብኢሰያስ ዝተዓደሎ ገበናዊ ሽመት ኮለኔል ተሼሙ፣ ብፍላይ ንካብ ወጻኢ ሃገራት ንኤርትራ ክበጽሑ ብኣየርፖርት ኣስመራ ዝኣትዊ፣ ንኽቃጾን ንኽጨውን ከእስርን ከቐንጽልን ተመዘዘ። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ክሳብ ሎሚ ንኹሎም ኣብ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ንኤርትራ ከኣ ዝመላለሱ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ንመሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዘለለዩ ተቓወምቲ ሃገራውያን የእስርን የጭውን ኣሎ። እረ ሎምስ ብጎይትኡ ኢሰያስ ካብ ኮረኔል ኣብ ብሪገደር ጀነራል ደረጃ ተሳጊሩ ኣሎ ይብሃል ኣሎ። ብፍላይ ቀንዲ ሓላፍነቱ ድማ፣ ኣዛዚ እንዳ ፖሊስን ክፍሊ ምርመራን ማእሰርትን እዩ። ዓዱን ወለድኡን ገና ኣይረኸብንዮን ኣሎና፣ ብኣፈታሪኽ ክምዝብሉና ግና ከባቢ ካብ ኣስመራ ኣብ ሓማሴን እዩ ብብሃል።
ክቕጽልዩ. . . .
መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ደቂ ኣግኣዝያን
ብ”ፎሮ” ውይድማ “ነብሪ” ዝብሃል ገዲም ኣባል ሓለዋ ሰውራን ምስጢራዊት  ሰልፍን ኣብ ኣደራሽ ስመር ሩም ዝቐረበ ሓተታ።