ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዘይተወድአኸ ስለምንታ እዩ? እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ንእሽቶ ፖለቲካዊ ትንተና ተኻታተሉዎ ኢኹም። ርእይቶ ክትህቡሉ ድማ ማዕጾ ደቀባት ክፉት እዩ። ሰናይ ንባብ።

1) ካብ ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ኣብ  ብ21 የካቲት 1543 ዓ.ም.ፈ. ባሓገዝ ቱርኪ ካብ ሃረርን ኣዳልን ሶማልን ተበጊሱ እንዳልሓመ፣ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኢትዮጵያ ድማ ብጭካኔ ኣቃጸለ። መንከማይ እንዳበለ ድማ ንመላእ እክርስትያን ኢትዮጵያ ንኸመስልም ተጓየየ። መሳፍንቲ ኣምሓመራ ድማ ከም ኣመሎም ኣውያቶም ንድባርዋ ሽዑ ዘመን ርእሰ- ከተማ ምድረ-ባሕሪ ዝነበረት ጥንታዊት ታሪኻዊት ቤተመንግስቲ በሓር ነገስታት ኤርትራ ኣስምዑ።

ካብኡ ጅግና ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ፣ ጎይታ ቱርክን ጎይታ ሰዋኪንን ዝነበሩ ፣ ካብ መንግስቲ ፖርቱጋል ብመራኽብ  ኣብ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዝመላለሱ ዝነበሩ፣ ወዱ ንቫስኮ ዳጋማ ዝነበሮም ሰራዊት  ሓገዝ ለሚኑ ፣ ምስ ሰራዊት ደቂ ምድረባሕርን 450 ፖርቱጋላውያንን ኣኽቲቱ፣ ንባርባራዊ መሓመድ ግራኝ ክምክት ተበገሰ።

ኮነ ድማ ባርባራዊ ኣስላማይ መሓመድ ግራኝ ኣብ ቤገምድር ክፍለሃገር ዕምሩ ሓጸረ። ከም ኣመሎም ደቂ ምድረባሕሪ ነቶም ጠላማት መሳፍንቲ እትዮጵያ ድማ ካብ ባርባራዊ መሓመድ ግራኝን፣ ካብቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝነበረ ኮሎንያል  ቱርክን ግብጽን ሓራ ኣውጹኡዎም። ሽዑ ደቂ ምድረባሕሪ ንመሳፍንቲ ኣምሓራ ረዲኦም ካብ ባርባራዊ ግራኝ እንተዘየኣድሕኑዎም ነይሮም፣ ክሳብ ሎሚ ኢትዮጵያ ቱርካዊት ወይ ግብጻዊት ኮይና ከም ሶማል ብምስልምና ሃይማኖት ምተገዝአት ነይራ። ነዚ ግና መሳፍንቲ ኣምሓራ ኣይዝክሩዎን እዮም። ብሓቂ ታሪኽ እንተድኣ መርሚርና፣ ንኢትዮጵያን ትግራይን ሓልዮም ዘጽንሑ፣ ሓለውቲ ወሰን ደቂ ምድረባሕሪ እዮም። ነዚ ግን መሳፍንቲ ኣምሓራ ይኹኑ ትግራዎት ኣይቅበሉዎን እዮም። ይፍተዉ ይጽልኡ እምበር፣ እቲ ታሪኽ ግን ከምኡ እዩ።

መተሓሳሰቢ: ሓደ ሓደ ሰባት መሓመድ ግራኝ ብመሰረት መወከሲ፣ Zanta Arban Arbaten history book for the Eritrean ministry of education in the federation time in Eritrea፣ኣብ ኩዶ ፈላሲ እዩ ተሳዒሩን ሞይቱን፣ ኣብ ክልኣይ ወራር ከኣ እቲ ንግራኝ ተኪኡ ዝተላዕለ ኣረሚን ኣብ ቤገምድር ተሳዒሩ ሞይቱ ዝብሉ ኣለው። ንሕና ከምተወከስናዮ ግና፣ የኢትዮጵያ ረጅም የህዝብና የመንግስት ታሪክ ከዶክተር ላጵሶ ጌ.ድሌቦ ብ1982 በ ንግድ ማተምያ ቤት ዝተሓትመ፤ ኣብ ገጽ 130 ከምኡ እውን ብኣባ ጋስፓሪኖ ዝተደርሰ የኢትዮጵያ ታሪክ ገጽ 162 ተወኪስና ኢና ኣቕሪብናዮ። ካልእ መርትዖታት ዘለዎ ታሪኽ ዘለኩም ኣሕዋት እንተልኢኽኩምልና ድማ ተቐበልቲ ኢና።

 2)ወራር ቱርኪ : ካብ 1517 ዓ.ም. ክሳብ 1848 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሕርጊጎ ተሓጺሩ ጥራይ እዩ ነይሩ።

 3)ወራር መሳፍንቲ ትግራይ ካብ 1750 ኣብ ዘመን ሚካኤል ስሑልን ኣረሜን ደግያት ውቤን፣ ደበብን ስማጋድሽን ወዘተ. . .  .። 4)ወራር ንጉስ የውሃንስ ኣሉላን፣ 1787 ክሳብ 1886 ዓ.ም.ፈ ጥልያን ንኤርትራ ክሳብ ዝወራ፣ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ብፍላይ ብሰንኪ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ኮሎንያል ጣልያን ንምድረባሕሪ ደፊሩ ክቆጻጸራ በቒዑ።

5) ምድኻም ሓይሊ ምድረባሕሪ ብልፍንቲ ስለላ መርበብ እንግሊዝን ንጉስ የውሃንስ 4ይን፣ ምስ ኮነ ወራር ጣልያን ንምድረ ባሕሪ ክኣቱ በቒዑ። ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ መሳፍንቲ ትግራይ ሓግዙና ኢሎም እንተኣውዩዮምሎም ብድድ ኢሎም እዮም ዝረድኡዎም ነይሮም። ከምኡ ስለዝኾኑ ድማ ወራር ማህዲ ንቤገምድር ወሪሩ 44 ኣብያተክርስትያናት ምስ ኣንደደ፣ ንጉስ የውሃንስ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ሓግዙኒ ኢሉ ብኣዋጅ ኣዚዙዎም። ብዘይ ውዓል ሕደር ድማ ዓዶም ኮሎንያል ጣልያን ንኽወራ እንዳተቓጸወ ከሎ፣ ገዲፎማ ንመተማ ከቲቶም፣ ብሓገዝ ደቂ ምድረባሕሪ ድማ ብዓል ጀለብያ ማህዲ ተሳዒሩ፣ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ንጉስ የውሃንስ ሰራዊቱ ንሰራዊት ገላባት ሰብ ጀለብያ ስዒሮም ከሎው፣ ብውዲት ስለላ መርበብን ወዲት ዳግማዊ ምነሊክ ክሳዶም ተስይፎም። ስራዊቶም ፋሕ ጭንግራሕ እትዩዎ። ነዚ ዘጽንዔ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ፣ሕጂ ተበገስ ዝከላኸለካ ሰራዊት ምድረባሕርን ትግራይን ስለዘይብልካ ኢሉ ቀጠልያ መብራህቲ ምስ ወልዓሉ፣ ጀጃዊ ሰራዊት ኮሎንያል ጥልያን ጥይት ከይተኮሰ ብከረን ተጣዋውዩ ነስመራ ተቛጻጺሩ። ብሰንኪ ከዳዕ ንጉስ የውሃንስ ኣልፋን ኦሜጋን ህዝቢ ምድረባሕሪ ኮነ። ድሕሪኡውን ኣሉላ ሞተ፣ ሰራዊት ትግራይ ድማ ፋሕ ጭንግራሕ ኣተዎ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ከምቲ ሓንቲ ትግራወይቲ ሰበይቲ ንጉስ የውሃንስ ሞይቶም ምስ ሰምዓ ዝበኸይኦ ብኽያት.
ተካል ዓዲ እየሱስ ዘይብላ
ኣልጋ ፈረሰ ወሰዱዋ ጋላ
ኣበይ ገዲፍኩሞም ንኣባ ይለቅ ካሳ
ጓል ህበይ እኳ ዘይትድርቢ ሬሳ።
በመም. ይስሓቅ ዮሴፍ ንግስነት ሃገረ ምድረባሕሪ ገጽ 296-298 ተወከሱ።

6) ወራር ኮሎንያል ጣልያን፣ ካብ 1889 ክሳብ 1941 ዓ.ም.ፈ. ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ “እምቢ ንኮሎንያል ጣልያን“ ኢሎም ንትግራይ ምስ ከዱ፣ መሳፍንቲ ትግራይ ብዓል ራእሲ መንገሻ ድማ ብላዕ ካብ ኮሎንያል ጣልያን በሊዖም፣ ንጀጋኑ ደቂ ምድረ-ባሕሪ ሓሓኒቖም ንኮሎንያል ጣልያን የረክቡዎም ነበሩ። ሎሚውን ንዘስተብሃለ ለባም ትግራዋይ ይኹን ኤርትራዊ ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ ክርዳእ ይኽእል እዩ።

ኣስተብህል፣ ወያነ ኣብዚ እዋንዚ ነቶም “ተቓወምቲ ኤርትራ ኢና” ዝብሉ፣ ግንከኣ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ዝእምነቶም፣ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ገንዘብ እናሰረፉዎም ከምዘይቃለሱን፣ ሓዲግ መዲግ ከምዝተርፉ ገሮሞም ኣለው። ንሱ ድማ ብ“ምሕዝነት”፣ ብ”ኪዳን”፣ ብ”ባይቶ”፣ ብ”ብሔረ ኩናማ”፣ ብ”ብሔረ ጀበርቲ” ወዘተ. . .  እንዳፈላለዩ፣ ከምዝለምሱ ይገብሩዎም ኣለው። እዚ መስርሕ እዚ ድማ ነዘስተብህልን መጻሕፍቲ ታሪኽ ገናጺሉ፣ ታሪኽ መሳፍንቲ ትግራይ ዝከታተል ሰብ፣ ሎሚ ውያኔን እቶም ደቂ ትግራይ ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ዘለው ብዓል ክሻን ማንክን ኢሰያስን፣ ብምዕቡል ስለላዊ ውዲት ጽዮናውያን ተላኢኾም፣ታሪኽ ኣባሓጎታቶም ይደግሙ ከምዘለው ክርዳእ ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሸቶ ጽዮናውያን ኤርትራ ትኹን ትግራይ ወይ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ጽዮናውያን ከምዝኣትዋ ንምግባር ምዃኑ ርዱእ እዩ። መኽንያቱ ድሕሪ ውረድ ደይብ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ምስተቆጻጸረ፣ ጸኒሑ ድማ ንዓድዋ እዩ መሪሹ። ኣብኡ ምስተሳዕረ ድማ ብሓድሽ ስትራተጂ ስምን ጋዝን እናነስነሰ ንኢትዮጵ°ያ እዩ ኣትዩ። ሎሚ ድማ እቲ መስርሕ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ንምድጋም ይኸይድ ከምዘሎ እናበርሀ ይመጽእ ኣሎ። ግርጭት ወያኔን ህግደፍን ንረብሓ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ድዩ ወይስ ንረብሓ ጽዮናውያ? ሰራዊት ወያኔ ንኣልሸባብ ከጥፍእ ንሶማል ምምራሽ ንረብሓ ኢትዮጵያ ድዩ ወይስ ንረብሕ ጽዮናውያ? ኩባንያ ህግደፍ ንኣልሸባብ ክሕግዝ ከሎን፣ ወተሃደራቱ ንየመንን ንስዑድያን ክልእኮም ከሎስ፣ንረብሓ መንኮን ይኸውን? ላምሲ ካብ ብኢዳ ብእግራ ትሓክኽ ከምዝብሃል፣ምስ ህዝቢ አርትራ ተሳንዮም ብዓሰብን ብምጽዋዕን ከይነግዱን ከይመላለሱን፣ ወደብ ጁብቲ እሞ ከኣ ንብረት ፈረንሳ ተኻርዮም ክነብሩስ ዘስደምምዶ ኣይኮነ?ወረ ሎምስ እቲ ውዲት ጽዮናውያን ተጋሂዱ እኳ። ሓቂዶ ሓሶት ?

 7) ድሕሪ ምስንባት ኮሎንያል ጣልያን፣ገዛእቲ ጣልያን ዘይምሃዙዎ ሓዲሽ ውዲታዊ እከይ ግብሪ፣ ፈላሊኻ ግዛእ ብመግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተማህዘ። ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ክርስትያንን ኣስላምን ኤርትራ ፈላሊኽ ግዛእ ዝብል ሓዊ ዝኣጎደ ኮሎንያል እንግሊዝ እዩ። ቀጺሉ እተን ክልት ዓበይቲ ቋንቋታት ኤርትራ ትግሪኛን ትግረን ክንሰን፣ ቋንቋ ቍርዓን ወይ ቋንቋ ኣዕራብ ካልኣይ ቋንቋኹም እዩ ኢሉ፣ ዘይ ቋንቋ ኤርትራ ቋንቋ ዓረብ እተኣትታትዩ። ብቍጠባዊ መዳይ ድማ፣ ተዃሉ ዝኾኑ እንግሊዛውያን ገዛእቲ፣ ነቲ ብኮሎናል ጣልያንን ብርሃጽ ህዝቢ ኤርትራን ዝተጠርየ ትካላት መንቁሶም፣ ንሃገር ፓኪስታንን ሱዳንን ሸይጦም፣ ነቲ ሽያጡ ኣብ ካሳኦም ኮሚሮሞ። ሽዑ እዩ “ኣያ እንግሊዝ ኣንታ ነዃል ሰልዱ፣ ካብ ኣድኻን ሃብታምን ዝበልዕ ኣዋሊዱ፣ ንሃገርና ጓሕጒሑዋ ከደ ንሎንድራ ዓዱ”። ተባሂሉ ኣዝማሪ ዝዘመረሉ።

ከምቲ ኣብ መግዛእቲ ራእሲ ኣሉላ ወተሃደራቱ ዘሚትኩም ብልዑ ተባሂሎም ጥሪት ህዝቢ ምድረባሕሪ እንዳዘመቱ ዝድረሩ ዝነበሩ፣ መራሕቲ ሰራዊት እንግሊዝ ድማ ንብረት አርትራ ሸይጦም ኣብ ጀበቡኦም መሊሶሞ ተዓዚሮም። ተሰልቢጦም ድማ ኤርትራ ድኻ ሃገር እያ፣ ነብሳ ኣይትኽእልን ኢያ ኢሎም፣ ካብ ኩሉ ፍትሓዊ ብይን ሕቡራት መንግስታት ከምትንጸግ ገሮም ሓዲግ መድግ ገሮማ። ክትበልዓ ዝደሌኻ ኣባጉንባሕስ ዛግራ ትብላ፣ ከምዝብሃል ስ ሎሚ ግና ኩለን ኣብ ኤርትራ ኣትየን ዕደና ወርቂ ትካላት ክገብራ ዝደልያ ባዕዳውያን ካምፓኒታት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ከይፈረመትለን፣ ንኤርትራ ክኣትዋ ኣይፍቀደለንን እዩ። ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ከይልዓል ድማ ዋና ተጻባኢት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እያ። ኣሜሪካ ኣይኮነትን፣ ነፋጥ ኢሰያስ ግና ንመንግስቲ እንግሊዝን እስራኤልን ኣልዒሉዎም ኣይፈልጥን። ሎሚ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ቀንዲ ወሰንቲ ኮርፐረሽናት ሃገር እንግሊዝን ስለላ መርበብ እንግሊዝን እዮም።

8) ድሕሪ ምስንባት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ 1941 ክሳብ 1951 ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ፣ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ተገሩ፣
9) መግዛእቲ እትዮጵያ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ.

10) ድሕሪ ፈደረሽን ምፍራሱ (ብዓንቀጽ ሕቡራት መንግስታ 390(V)A
ካብ 1961 ክሳብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ዝወሰደ ዕንክሊል ሰውራ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ኣሉታዊ ውጽኢቱ ግና ተተንቲኑ ኣይውዳእን እዩ። ብሓጺሩ ዋናታት ሰውራ ኤርትራ ጽዮናውያን እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እንሆ ሎሚ ወርቅናን ሃብቲ ባሕርናን መን ይግሕጦን ይዘምቶን እሎ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና።

11)  መግዛእቲ ግዝያዊ መንግስት ህግደፍ፣ ካብ 24.05.1991 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ እኩብ ድምር ባዕዳውያን መግዛእቲ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብኤርትራዊ ሕብሪ ዘለዎ ግንከኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትግዛእ ኣላ። ኢሰያስ መቐጸልታ ንጉስ የውሃንስን ኣሉላን ኮሎንያል ጣልያንን ኮይኑ ንባዕዳውያን ንኸገልግል፣ ኣምሆ ዘመን ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሉ ከምዝተላእከ ንሕናስ ድሮ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና በጺሕናዮ ኢና። ወዮ ድኣ ሰማዒ ሰብ ኣይረኸብናን እምበር። ሎሚ ግና ዋላ እቲ ገርሀኛ ሓፋሽ እውን ውዲታዊ ተልእኾ ሰላዪ ኢሰያስ ዳርጋ ክርድኦ ጀሚሩ እዩ። ምስጢርን ውዲትን ኢሰያስን ልኣኽቱን ክኽሻሕ ከሎ ጥራይ እዩ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝውዳእ።

መተሓሳሰቢ

እዚ ትንተና እዚ ንመሳፍንቲ ትግራይ ዝነቅፍ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ መበቆሉ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ግናንከኣ ምስ ህዝቢ ምድረባሕሪ (ህዝቢ ኤርትራ) ኣግእዝያናዊ መበቆሉ ሓደ ዝኾነ ኣይቃወምን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ግና ታሪኽ መሳፍንቲ ትግራይን፣ ሎሚ ዘለው ደቅደቆም ጭፍራ ወያኔን፣ህግደፍን ድማ ክልተገጽ ሓደ ቅርሺ ምኻኖም ተረዲኡ ምስ ኣሕዋቱ ኤርትራውያን ኢህን ምሂን ኢሉ ተፋቒሩ ክነብር ድልየትናን ባህግናን ምዃኑ ነረጋግጸሉ። እወ፤ እቲ ብመሳፍንቲ ትግራይ ዝተፈጸምዎ እከይን ዘይለባምን ፍጻሜታት ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ጎዲኡ፣ንህዝቢ ትግራይውን ኣዝዩ ሃስዩስ ኣብ ትሕቲ ኣምሓራ ከምዝቍረን ገሩዎ እዩ። መሳፍንቲ ትግራይ ለቢሞም ምስ ህዝቢ ምድረባሕሪ እንተዝውሃሃዱ ነይሮም፣ ሎሚ ህዝቢ ኣግኣዝያን ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይመርሕ ምሃለወ ነይሩ። ንሱ ሓሊፉስ ሎሚ ከኣ እንደገና ድሕሪ 150 ዓመታት፣በዞም ብወያኔን ሻዕብያን ታሪኽ መሳፍንቲ ትግራይ መታን ከይድገም፣ ክልቲኡ ህዝብታት ክልብምን ክተዓራረቕን መድረኽ ይጠልቦ ከምዘሎ ክንሕብር ንፈቱ። እዚ ሎሚ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን በጺሑዎ ዘሎ መድረኽ፣ ብኣዝዩ ረቂቕ ዝኾነ ፖለቲካዊን ስለላውን ውዲት ዝተሰነየ ኮይኑ፣ግንከኣ ብርሃጽን ደምን ደቂ ኣግኣዝያን፣ንሓደ ንጹር ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮንነት ዝዓለመ ውዲት ስለዝኾነ፣ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን (ህዝቢ ኣግኣዝያን) ካብ ዘመነ ሃይለስላሴ ይኹን ዘመነ ኮሎንያል ጣልያን፣ ሎሚ እዩ ክነቅሕን ጸላእቱን ፈተውቱን ከለልን ዝግብኦ። እወ፣ ጸላእቱ ከኣ እቶም ብጽዮናውያን ተላኢኾም ዝገዝኡዎ ዘለው፣ ግንከኣ ካብ ኣብራኽን ማህጸንን ኣግኣዝያን ዝተወልዱ እዮም። እቶም ተዃሉ ጽዮናውያን ግና ብኲኖ መጋርጃ ኮይኖም እዮም ብሰለልቶም ገሮም ዝግዝኡን ዝምዝምዙን ዘለው።

3ይ ክፋል ክስዕብ እዩ

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት 16.03.17 ዓ.ም.ፈ.