ካብ ሳክትዝም ዝትቐድሐ ምስጢራዊ ሰነድ

(ነጋዶ ፍቐረን ሳምሶንን)

4ይ ክፋል

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፡ ተደጕሉ ዝጸንሐ ምፍሕፋሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ብሰንኪ ሞት ፍትው መንእሰይ ፍቕረ ዓንደማርያም ተሳቢቡ ኣብ ጠርዚ ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን፡ ሃንደበት ብቀዳም ዕለት 13.10.2007 ሰዓት 7፡00 ምሸት ድሕሪ ጥዕናዊ ስፖርት፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኮ/ል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ከባቢ ባር ኣኪላ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ኣብ መኪና ዝተሰቐሉ ሰባት ተኪሶም ከምዝሃሪምዎ ጠቒሰ ነይረ፡፡ ንሎሚ ከኣ ራብዓይ ክፋል እንሆ፡፡

ኣብታ መጻኢት ርህውቲ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ካብቶም ክጠፍኡ ወይ ከኣ ክሕተቱ ዝግበኦም ቐንዲ ኣሳሰይቲ ኣባጓይላ ኢሳይያስን፡ ካብ መጽነቲ ዜጋታትና ሓደ ዝኾነ ንጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን ከጻሪ መደብ ዝተዓደሎ ብር/ጀነራል (ሽዑ ኮሎኔል) ስምኦን ገብረድንግል፡ ብ1939 ኣብ ሰገነይቲ – ማዕረባ ተወሊዱ፡፡ ሰምኦን፡ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ትምህርታት ዝተምሃረ ብልጫታት ዝዓተረ ንፉዕ ተምሃራይ ነይሩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ አበባን ባህርዳር ፖሊቴክኒክን ናይ ኮለጅ ትምህርቱ ክከታተል ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ ፈለማ 70ታት ናብ ሩስያ ተጓዒዙ፡፡ ብ1975 ምስ በዓል ወዲ ሃብተ ካብ ሩስያ ካብቶም ብጥርኑፍ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝተሰለፉ ኣባላት ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ሜዳ ፈለማ ኣብ መራኸቢታት ህዝባዊ ግንባርን፡ ቀጺሉ ኣብ እንዳ 72 ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈራት ዘገልገለን ኣባል”ታ ሚስጢራዊት ሰልፊ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ፡፡

ድሕሪ ናጽነት እውን፡ ኣብ ትሕቲ ነፍሲሄር ዓሊሰይድ ዓብደላ ተመዲቡ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዝተፈለለዩ ክፍልታት ነጢፉ፡፡ ብፍላይ ምስ ኣዛዚ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኮሎኔል ጋይም ተስፋንኪኤል ብዝነበሮ ሕዱር ጽልእን ምስሕሓብን፡ ቀጻሊ ይሰሓሓቡ ብምንባሮም፡ ኣብ መወዳእታ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ዓሰብ ኮይኑ ተመዲቡ ነይሩ፡፡ ስምኦን ናብ ዓሰብ “ዘኽይድ ምኽንያት የብለይን” ብምባል ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ፖሊስ ኤርትራ ኣጅብ፡ ብዘይስራሕ እንዳተመላለሰ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ መፋርቕ 90ታት ኣውዳድባ ውሽጣዊ ጉዳያት ምስተቐየረ፡ እንዳ ጸጥታ (ወኪል ሃገራዊ ድሕነት) ባዕሉ ኪኢሉ ምስ ቆመ፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ብምኻን ተመዚዙ፡፡ ምስ ሓላፊ ወጻኢ ስለያ ኮ/ል ጋይም ዝነበሮ ሕዱር ምትፍናን ሕጂ እውን ኣብ ቦትኡ ኢዩ፡፡ ብባህሪ ኣዚዩ ቁጡብን ምስ ሰባት ልዑል ናይ ምርድዳእ ክእለት ዘለዎ ስምኦን፡ ኣብ ሜዳ ሓደ ቆልዓ ወሊዱ ብደብዳብ ነፋሪት ተሰዊእዎ እዩ፡፡ ብድሕሪኡ ምስ ኣባል ሚኒስትሪ ንግድን እንዲስቱሪን ነበርን ዘመድ ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት ዝኾነት ገዲም ተጋዳሊት ኣልማዝ ሓዳር ጌሩ 3 ቆልዑት ወሊዱ ኢዩ፡፡

ብልሙድ ኣጸዋውዓ White House (ቻው ሆቴል) ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን፡ ኣብ መበል 3 ደብሪ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ወፍርታት ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ ለጊቡ ዝርከብ ስምኦን፡ ፈታዊ ስራሕን ከምቶም ካልኦት ሓለፍቲ ፈቐዶ ዲስኮን ባራትን ዘይኾልል፡ ሓዳሩ ዘኽብር፡ ዲስፕሊንድ ዝኾነ ሰብ ኢዩ፡፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ክራኸብ ብዙሕ ድልየት ዘይብሉ ሰምኦን፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈቱ ብቁጽሪ ቴሌፎን 12 33 33 (EX 215/216/217) ፍቓድ ተሓቲትሎም ኩሉ ግዜ ኣትዮም ዝረኽብዎ ሓለፍቲ፡ ኮሎኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰ (ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት)፡ ሚ/ር ዑስማን ሳልሕ (ካብ ሚ/ሪ ወጻኢ ጉዳያት)፡ ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ (ወኪል ሃገራዊ ድሕነት)፡ ጀነራል ስብሓት ኢፍረም (ሚ/ሪ ጸዓትን መዓድንን)፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ (ሓላቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል)፡ ብ/ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር- ኣዛዚ ዕቑርን ህዝባዊ ሰራዊትን) ብ/ጀነራል ዶ/ር ሃይለ ምሕጹን (መኮነን ጥዕና ሚ/ሪ ምክልኻልን ዲን ሓፈሻዊ ሕክምና ኮለጅ ኦሮታን) ጥራይ እዮም፡፡ ካብ ማእከለዎት ሓለፍቲ ጽቡቕ ምቅርራብ ዘለዎ ከኣ ምስ ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ፡ ኮ/ል ሃይለ ተስፋዝጊ (ክቡርነቱ)፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣምባሳደር ስዒድ ማንታይን ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽባርካ ፍስሃየ ሃይለ (ኣፍሮ)ን እዮም፡፡

ብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ብምኻን ብብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ እንደተመርሐ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብቶም ብዝለዓለ ሓላፍነት ካብ ዝተዓደልዎ መደባት ሓደ ጉዳይ ምጽራይ ሞት ነጋዳይ ፍቕረን ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላትን ወልቀ ሰባትን እዩ፡፡ ከምቲ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ዝገለጽኩዎ ድማ ስምኦን 11 ለበዋታት ዘለዎ 50 ገጽ ውህድ ጸብጻብ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣቕሪቡ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ብዛዕባ “ጠንቂ ምስሕሓብ፡ ሓድነትን ኣፈላላይን ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሓለፍቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተገልጹ ነገራት፡ እቶም ኣብ ሓደ ጉጅለ ዝነበሩን ክልተ ኣሓት ዝተምርዓው ሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)ን ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስን ከይተረፈ ምስሕሓብ ከምዘለዎም ይገልጽ፡፡ ኣብቲ እዋናት ውጩ ኣዛዚ ስርሒት 05 እንከሎ 18 ዝኾና ኮንትሮባንድ ዝጸዓና መካይን ብኣባላት ምክትታል ዶባት (ናይ ተኽለ ማንጁስ) ስለ ዝተተሓዛ፡ ውጩ ንተኽለ ማንጁስ ኣባላቱ ክፍንውወን ሓቲቱ ዕጭ ስለዝበሎ፡ ብሰንኪ እዚ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ምብጽሖም ይገልጽ፡፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብቲ ጸብጻብ ዝሰፈረ ተወሳኺ ሓሳብ ከምዘነጸሮ፡ ኣብ መወዳእታ ”ፕረሲደንት” ኢዱ ኣእቲዩ ነቲ ጉዳይ ዋላ እንተፈትሖ፡ እቲ ኣብ ሞንገኦም ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ከም መዓልቦ ከምዘይተገብረሉን፡ ክልቲኦም ሓለፍቲ ምስ በዓል ፍቕረን ሳምሶንን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ከምዘለዎም ይሕብር፡፡ ብተወሳኺ ምስ ሆቴል መሪዲያን ብምትእስሳር ክልቲኦም ጀነራላት ዝገበርዎ ሚስጢራዊ ናይ ኮሚሽን ስምምዕ ብዝርዝር ተጸብጺቡ ኢዩ፡፡

ጉዳይ ምስሕሓብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሓለፍቲ፡ ካብ ተራ ናይ ገንዘባዊን ዓይነታዊን ረብሓ ሓሊፉ ናብ “ኣውራጃውነት” ዝወስድ ተርእዮታት ከምዘለዎ ጸብጻብ ስምኦን የነጽር፡፡ ምስ “ኣውራጃውነት” ብምትእስሳር ኣብ ዝገለጾ ሓሳባት ውጩ፡ ንገለ ተወለድቲ ሓማሴን (ካርኒሽም) “ኣያ” ኮይኑ ይጠቕሞም ከምዝነበረ፡ ናብ ጋሽ ባርካ (ስርሒት ዞባ 02) ምስተቐየረ ከኣ ዝቐየሮ ሜ/ጀነራላት ፍሊጶስ ኣብ ስርሒት ዞባ 05 ዝነበሮ ተቐባልነት ስለ ዝበሓቶ፡ ምስ ውጩ ተዓስኪሮም ዝነበሩ ሃብታማት ከፈራርህን ክህድድን ብምጅማሩ፡ እቲ ምትፍናን ከምዚዛየደ ተጠቒሱ፡፡ ኣብቲ እዋን “ውጩ ፡ ሕዱር ሕማማት ስለ ዘለዎን ዚያዳ ናይ ዞባ ማእከል ተቐባልነትን ኣፍልጦን ስለ ዘለዎ ናብ ቦትኡ ይመለስ” ዝብሉ ጥርዓናት ካብቶም ደገፍቱ ሃብታማት ነጋዶ “ብዘስምዕዎ” ሰባት ናብ ፕረሲደንት ብተዘዋዋሪ መገዲ ይበጽሖ ነይሩ ኢዩ፡፡ ንጉዳይ “ኣውራጃውነት” ኣብ ዝምልከት ዝርዝራት፡ ደቂ ካልእ ከባቢ (ሓማሴን) ኮይኖም ምስቶም ካልኦት ዝወገኑ ተባሂሎም ዝተገለጹ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ እውን ነይሮም፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ጸብጻብ ዝሰፈረ ሓሳብ “ውሽጣዊ ጸጥታ ብኹሉ መምዘኒታት ማለት ብቴክኒካዊን ሰብኣዊን ኣገባባት ብዘካየዶ ምጽራይ ነጋዳይ ፍቕረ ኣብ ትቦ “ተሓኒቑ” ብዝብል ዝሞተላ ሸላ፡ ብውሑዱ 70 ኪሎ ንዝምዘን መንእሰይ ፍቕረ ዝጻወር ክሕነቐሉ ዝኽእል ትቦ ከምዘይብላን ኣብ ክሳዱ ተጠምጢሙ ዝተረኽበ ቅዳድ ኮቦርታ ንወዲ ሰብ ከጥፍእ ኣይክእልን” ዝብል ኢዩ፡፡ ንዝተጠርጠሩ ሓለፍቲን፡ ገለ ኣባላት ሓለዋ ፖሊስን ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፡ ዋላ እኳ “ነብሱ ከምዘጥፍአ” ጸቒጦም ይዛረቡ”ምበር ብጭብጢ ክረጋገጽ ዝተኸኣለ ጉዳይ፡ እቲ ግዳይ (ፍቕረ) ብማሕነቕቲ ዘይኮነስ፡ ብካልእ “ምኽንያትት” ከምዝሞተ የረጋግጽ፡፡

ድሕሪ ናብ ፕረሲደንት ዝለኣኾ ጻብጻብ፡ ስምኦን ንኩላተን ጨንፈራትን ኣካላትን ጸጥታ ጥቡቕ ናይ ምክትታልን ምጽንጻንን መምርሒታት ከውርድ ተርኣየ፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ትሕቲ 10ኤን ምምሕዳራት ዝርከቡ ኣባላት ጸጥታ ምስ ጉዳይ ፍቕረ ዝኾነ ይኹን ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀ ሰባትን ሓበሬታን ኣተኣኻኺቦም ጸብጻብ ከቕርቡ፡ ብምቕጻል ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከቡ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ኣካል ብልሽውና ዕቱብ ምክትታላት ክገብሩ ሓበረ፡፡ ኣብ ኣስመራን ከባኡን ዝነበረ ምክትታል፡ ኣብተን 7 ሕቡኣት ቤ/ጽሕፈታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ውሽጣዊ ጸጥታ ዝተዓመ ኮይኑ ኣብቲ እዋንን ሕጂን ዝነበረ ኩነታት ከምዚስዕብ ‘ዩ፡

  1. ቤ/ጽ ኒያላ (እዛ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣስመራ ዝፈልጣ ኣብዚ እዋን ክልተ ጉጅለታት ምክትታልን ምጽንጻንን ዝተመደቡላ ቤ/ጽ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኮ/ል የማነ ዓንደማርያም -ሰኮሎቭ ዝተመደቡ ሌ/ኮ ዮናስ ዘርኣይ ዝተብሃለ ሓላፊ ዝመርሓ ሓንቲ ጉጅለ፡ ከምኡ’ውን በዓል የማነ ፍስሃጽዮንን ግርማይ ሓጎስን ዝተመደብዋ ጉጅለ ምክትታል ኔራ፡፡) ንጉዳይ ፍቕረ ኣመልኪቱ ኩሎም ኣባላት ብዕቱብ ምክትታላትን ምጽንጻናትን ከካይዱ ተሓቢርዎም ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ዘለው ኣባላት ጉጅለ መርመርቲ በረኸት ጉዕሽ (ወዲ ጉዕሽ)ን ወዲ ከረንን ዝተብሃሉ’ዮም፡፡

  2. ቤ/ጽ ከባቢ ባር ዚሊ (ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ጎኒ ቤት መግቢ ቻይና ዘላ፡ ደሓር ናብ ምምሕዳር ቲራቬሎ ዝተቐየረት ኮይና፡ ኣብዚ እዋን ናይ 10ቲኤን ምምሕዳራት ጸብጻብ መቐበሊትን ቀንዲ ቤ/ጽ መዋፈሪ ኣባላት ሮንዳን እያ፡፡) ሕጂ ዘሎ ሓላፊ ሌ/ኮ ተስፋልደት ዝተብሃለ ኢዩ፡፡ ሌ/ኮ ተስፋልደት ብካልእ ሸነኽ ተጻዋዕነቱ ንሓላፊ ግብረ ሽበራን ኣካል ብልሽውናን ኮ/ል የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ) ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብ3 ሽፍት ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ጸጥታ ብሓላፍነት እንዳተኸታተለ ኣብ ኣስመራ ኣብ ተኣፈፍቲ ዝበሃሉ ከባቢታት (ንኣብነት ኣኽሪያ፡ ገዛብርሃኑን ከባቢታት ኤክስፖን) ምጉጅጃላት ከይፍጠርን ህዝቢ ከይተኣኻኸብን ይቆጻጸር፡፡ እዞም ካብ ባር ዚሊ ዝዋፈሩ ኣባላት ንከተማ ኣስመራ ካብቶም ዘጽረይዋ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ኢዮም፡፡ ኣብ ጉዳይ ፍቕረ እውን ዕቱብ ምክትታላትን ምጽንጻናትን ክገብሩ ብስምኦን መደብ ተዓዲልዎም ኔሩ፡፡

  3. ቤ/ጽ ቲራቬሎ (ግምጣል ምምሕዳር ቲራቬሎ ዘላ ሓደ ደብሪ ህንጻ፡ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ካብተን ዝተመረጻን ብዙሓት ወፍርታት ዝተኻየደላ ቤ/ጽ እያ፡፡) ናይ መጸናጸኒ ኤሎክትሮኒካዊ መሳርሒታት ተዓጢቖም ብጉልባብ ኣውፈርቲ ነጋዶን ዲያስጶራን መሲሎም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሆቴላት (ንኣብነት ኣስመራ ፓላስ) ኣብ ጥቓ ወጻእተኛታት መደቀሲ (ዓራት) ተታሒዙሎም ዝከታተሉን ዝጸናጸኑን ኣባላት ካብዚ ቤ/ጽ ዝዋፈሩ ኢዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ጸጥታ ቀንዲ መዋፈሪ ኣባላት ምክትታል ኢምባሲታትን ወጻእተኛታትን ኮይና፡ ብመጀር ነጋሲ ኪደነን ም/ተለንተ መልኣከ ሓጎስ (ሊንጎ) ትምራሕ፡፡ ንበዓል ፍቕረ ዝምልከት በቲ እዋን ስሩዕ መደብ ተዋሂብዎም ኔሩ፡፡

  4. ቤ/ጽ ከባቢ ሆቴል ኢምፐሪያል (ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ካብ ኣባላትን ህዝብን ክሕብኡን ከይፍለጡን ዝድለዩ ኣባላት ምጽንጻንን ዓፈናን ዝዋፈሩላ ኮይና፡ እዞም ኣባላት ናይ ገዛእ ነብሶም ዝተመደበሎም ባጀትን ደሞዝን ብቐጥታ ካብ ባንኪ ኣውጺም ዝጥቀሙ እዮም፡፡) ኣብ ትሕቲ “ብደም ዝዓፈተወ ቤት” ዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲመ ዘቕረብኩልኩም ጽሑፍ ዝተገለጹ ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ምስዞም ናይ ኢምፐሪያል ኣባላት ቀጥታ ርክብ ዘለዎምን ሕጂ ብሰርጌንቲ ዓንዳይ መንግስትኣብ ዝተብሃለ ኣባል ዝጥርነፉ’ዮም፡፡ እዞም ኣባላት ንላዕለዎት ሓለፍቲ ዕጡቋት ጉጅለታት ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ዝተፋለለዩ ጉልባባት ተጠቒሞም ዝከታተሉ’ዮም፡፡ ንኣብነት ተስፋይ ገብረኣብ ዝተብሃለ ኢትዮጵያዊ ደራሲን ጸሓፊን ኣብ ሆቴል ኣምባሴራ ዝከታተሉ 4 ሕቡኣት ኣባላት ካብ ቤ/ጽ ኢምፐርያል ዝተዋፈሩ ኢዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ኣንድኣርጋቸው ጽገ ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ግንቦት-7፡ ናብ ከባቢታት ጋሽ ባርካ (ሓሪና፡ ጀበል ሓሚድ፡ ተሰነይ)፡ ዊዓን ባጽዕን ክንቀሳቐሱ እንከለው፡ ብጉልባብ ኣውቲስትን ሓለዋን ዝምደብሎም ካብዞም ኣባላት ቤ/ጽ ኢምፐርያል ኢዮም፡፡ ኣብ 2007/08 እውን ንጉዳይ ፍቕረ ኣመልኪቶም ኣብ ምጽራይን ምጽንጻናትን ዝነጥፉ ኣባላት ኣብዛ ቤ/ጽ ተመዲቦም ነይሮም፡፡

  5. ቤ/ጽ ማእከል ከተማ (ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባር ቸንትሮ ዘላ፡ እዛ ቤ/ጽ፡ ሓላፊ ኣካል ምጽራይን መርመራን ውሽጣዊ ጸጥታ፡ መጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ) ጥራይ ዝጥቀመላ ብዙሓት ኣባላት እንዳ ጸጥታን ህዝቢ ኣስመራን ዘይፈልጣ፡ ሚስጢራዊት ቤ/ጽ ኢያ፡፡) ኣብዚ እዋን ክራይን ናይ ቴሌፎን ወጻኢታትን እንዳተሸፈነላ ተዓጺያ ኣላ፡፡ ንጉዳይ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን፡ ካልኦት ተኣፈፍቲ ስርሒታትን ዝምልከት መርማሪ ወዲ በየነ ሕቡኣት ወኪላትን ተሓባበርትን ዝረኽበላ ቤ/ጽ ኔራ፡፡

  6. ቤ/ጽ ሞኖፖሊዮ (እዛ ቤ/ጽ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልኩም ባህር ኣርቲስት እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን ቅድሚ ምርሻኖም ዝጸንሑላ፡ ቀተልቲ ነጋዳይ መሓመድ ኦሞ ዝተዋፈሩላን፡ ብዙሓት ገበናት ዝተፈጸሙላ ቤ/ጽ እንዳ ጸጥታ ኢያ፡፡) ንዓመታት ብኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ትምራሕ ዝነበረት እዛ ቤ/ጽ፡ ክፋእ ዘበለ ኩሉ ወፍርታት ዝካየዱላ ቤ/ጽ ኢያ፡፡ ንጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን ከምኡ’ውን ስዒቦም ዝተኣሰሩ ሃብታማትን ዝምልከት ኣብዛ ቤ/ጽ ዓበይቲ ስርሒታት ተዓሚሞም’ዮም፡፡

  7. ቤ/ጽ ገጀረት (ንእሽቶይ) እዛ ቤ/ጽ ንሓጺር ስልጠናታት እተግልግል ኮይና ኣብ ጉዳይ ፍቕረን ስምሶንን ምትእስሳር ኣለዎም ዝተብሃሉ ክልተ ጥርጡራት ከምዝተመርመሩላ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ብሓፈሻ ንሞት ነጋዳይ ፍቕረ ስዒቡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ዝነበረ ምክትታላትን ዕማማትን፡ ዝተዓዘበ ሰብ ኣብቲ እዋን መላእ ሃገር ኣብ ምክትታል ገበነኛታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ሰዓታት እቶ እቶ ዘላ ይመስል ነበረ፡፡ ብኣንጻሩ፡ “ገለ ነገር ዶ ይረኽቡለይ” ካብ ዝብል ፍርሂ ተበጊሶም ዝሽቑረሩ ዜጋታት ዝበዝሕሉ፡ ምስ ፍቕረን ሳምሶንን ተራ ምትእስሳር ዝነበሮም ናእሽቱ ነጋዶ ትካላቶም ዓጽዮም ዘልግስሉ፡ ዓበይቲ ሓለፍቲ ነንባዕሎም ዝተሓማመይሉ፡ ስድራ እቶም ግዳያት (ብፍላይ ከኣ ስድራ ቤት ሳምሶን) ኣዚዮም ዝተሻቐልሉ ኩነታት ኣብ ዝተፈጥረሉ ጽንኩር እዋን፡ ሃገራዊ ድሕነት ፈለማ ኣባላት ፖሊስን ከም በዓል ዘርአጋብር ዝኣመሰሉ ሃብታማት ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ መደባት ሓንጸጸ፡፡

ስምኦን ንጉዳይ ፍቕረ ዝምልከት ቀንዲ መጻረዬ ኮይኑ ካብ ዝተመዘሉ ዕለት ጀሚሩ በዓል ሜ/ጀ ውጩን ብ/ጀ ዓፋን’ውን ንሕድሕድ ምንቅስቓሳቱ በቢዝጥዕሞም መገዲ ይከታተልዎ ነይሮም እዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝነበረ ምክትታላትን ዕማማትን ተኸታቲሉ ሓበሬታ ዝህቦም ዝነበረ፡ ቀንዲ ሓላፊ ኮ/ል የማነ ኣፍወርቂ ምንባሩ ተፈሊጡ እዩ፡፡ ብምቅጻል ኣብቲ እዋን መበገሲኡ ካብ ዘይተፈለጠ ቦታ፡ “ስምኦን ንፍቕረ ዝምልከት ምጽራይ ጠጠው ከብል ናይ 5 ሚሊየን ናቕፋ ህያብ ቀሪብሉ ተሓሲሙ” ዝብል ወረ ተዘርጊሑ፡፡

ዝጸንሐ ምፍሕፋሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ኣብ ጠርዚ ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን፡ ሃንደበት ብቀዳም ዕለት 13.10.2007 ሰዓት 7፡00 ምሸት ካብ ናይ ጥዕና ስፖርት እንዳተመልሰ ኣብ ከባቢ ባር ኣኪላ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኡ ኮ/ል ስምኦን ኣብ መኪና ብዝተሰቐሉ ሰባት ተኪሶም ሃሪሞምዎ፡፡ ብስም “ናይ ጥዕና” ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ስፖርት) ዝሳተፉ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ በዓል ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም፡ ብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮ/ል ተስፋልደት ሃብተስላሰ፡ ብ/ጀ እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ)፡ ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ፡ ኮ/ል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ)ን ካልኦትን ምንባሮም ይዝከር፡፡

ብዕለት 13.10.2007 ምሸት ሰዓት 7፡00 ኣብ ከባቢ ባር ኣኪላ ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ከምተሃረመን በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላትን ነበርትን ተላዒሉ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃ/ድሕነት ተሓበረ፡፡ ብቐጥታ ኣብ ገገዝኦም፡ መዘናጊዒታትን ዲስኮታትን ዝነበሩ ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ በቢሰንሰለቶም ነቲ ዝተፈጥረ ጉዳይ ተሓቢርዎም ኩሉ ዝምለከቶ ኣካል ብህጹጽ ዕቱብ ምክትታላት ከካይድን ብሎኮታት ክዓጹን ትእዛዛት ተመሓላለፈ፡፡

ስምኦን ገብረድንግል ትንፋሱ ትልኽ ይብል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ፈለማ ንኮ/ል ወልደዝጊ ባህታ ኣጸዊዑ ሕብሪ”ታ ሃረምቱ ዝተሰቐልዋ መኪናን ናይ መወዳእታ 2 ቁጽሪ ሰሌድኣ ጠቂሙዎ፡፡ ኣስመራ ናብ ፍጹም ሰዓት እቶ እቶ ተቐይራ ዘረባታት ካብን ናብ ክላባዕ ጀመረ፡፡ ሓለፍቲ ጸጥታን ስርሒታትን በቢኣንፈቶም መደባት ተዓዲልዎም ብኣልማማ ተፍትሽ ከካይዱ፡ ጋራዣት ክገማጥሉ፡ ህዝቢ ከካላብቱን ክኣስሩን ተራኢዮም፡፡ ንሞት ፍቕረ ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ንዝተፈጠረ ምዕዝምዛማት ንምትህድዳእ ደይ መደይ ተባሂሉ ቀታሊኡ ሳምሶን ከምዝኾነ ስለዝተወርየ ትኹረት ናይ ኩሎም ኣባላት ጸጥታን ስርሒታትን ኣብ ልዕሊ ሳምሶን ገረዝጊሄር (ወዲ ቀሺን) መቕርቡን ኮነ፡፡ ኩሉ በቢዝጥዕሞ ምስ ሳምሶን ርክብን ምትእስሳርን ኣለዎም ዝበሃሉ ዜጋታት እንዳቐፈደ ናብ ቤት ማእሰርታት ምድጓን ቀጸለ፡፡

ድሕሪ ማህረምቱ ብቐጥታ ብ/ጀ ስምኦን ሓደ ምሉእ ዋርድ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ተፈሊዩሉ፡ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ እንዳተሓለወ ክሳብ ጉዳያት ዘነጽር ብጀካ ዶ/ር ሃይለ ራሻን ዶ/ር የማነን ዝኾነ ሰብ ከይሪኦ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኮ/ል ተስፋልደት ኣዘዘ፡፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ስምኦን ብፍልይቲ ነፋሪት (ቻርተር ፍላይት) ናብ ዓዲ ጥልያንን ሱዑድ ዓረብን ተላኢኹ ዝብል ወረታት ብ “03” ተፈነወ፡፡ ንስምኦን ተኪኦም ብቐጥታ ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ክዋስኡ ዝተመዙ ሓለፍቲ ኣብቲ እዋን ሓላፊ ኣካላት ውፍሪ ዝነበረ (ኣብዚ እዋን ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ) ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታን ሓላፊ ኣካል ምጽራይን መርመራን ውሽጣዊ ጸጥታ መጀር ካሕሳይ በየነን’ዮም፡፡

ኢሳይያስ ዋላ እኳ ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ከምዝሓወሱ እንተፈለጠ፡ ንመናውራ ብተናጸልን ብሓባርን ነቶም ዓበይቲ ጀነራላት ክጽውዕን “ነዚ ጉዳይ ከመይ እንተኣለናዮ ይሓይሽ” ክብል፡ ከምኡ’ውን ብጀነራል ፍሊጶስ ትምራሕ በዓል የማነ ገብረኣብ፡ ዓሊ ዓብዱ፡ ብ/ጀ ኣብራሃ ካሳን ጀነራል ስብሓትን ዝተሓወስዎ ሓይሊ ዕማም ከጣይሰ ተራእየ፡፡ ህዝቢ ንምትህድዳእ ብየማነ ገብረኣብ ዝተዳለወ “ፍሹል ፈተነ ቅትለት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ሓተታ ናብ ዓሊ ዓብዶ ተላኢኹ ብመዓኽናት ሚዲያ ክቐርብ ተገብረ፡፡

ካብ ዕለት 13/10/2007 ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ሰማያዊ ሕብሪ ዘለወን ነኣሽቱ መካይን ብኣካላት ጸጥታን ምክልኻልን ተተኣሪየን ናብ መንግስታዊ ጋራዣትን ካልኦት ክፍልታትን ክግዕዛ ተርኣያ፡፡ ኣብ መወዳእታ ብር/ጀነራል ስምኦን ተሃሪሙላ ዝተብሃለት ሰመያዊት ፋሚሊ ናይ ገዛ መኪና ኣብ ከባቢ ማይተመናይ ተረኺባ፡ ናብ ቤ/ጽ ጸጥታ ቲራቬሎ ተወሲዳ ተዓሸገት፡፡ ብርግጽ እዛ መኪና ድሒሩ ኣብ ዝተኻየደ ምጽራይ ናይ ሳምሶን ወዲ ቀሺ ከምዝኾነትን ሳምሶን ካልኦት ኣብ ዓሻ ጎልጎል ካብ ዝነበራ ናይ ኮሚሽን ፖሊስ መካይን ሰሌዳ ከምዝወሰደ ተረጋጊጹ’ዩ፡፡

ቀጺሉ ኣብ 5ይ ክፋል ብዝርዝር ዝግለጹ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስን ጸጥታን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተተኣሪዮም ናብ ዝተፈላለያ ቤት ማእስርታት ተዳጊኖም፡፡ ዳርጋ ብምልኡ ስድራ ቤት ሳምሶን ወዲ 80 ዓመት ኣቡኡ ቀሺ ገረዝጊሄር ሃብተገርግሽ ሓዊሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡ (ክቡራት ኣንበብቲ ናይ ኩላቶም ዋላ እንተዘይኮነ ብጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን ናይ ዝተቐየዱ ዜጋታት ዝርዝር ኣብ 5ይ ክፋል ከቕረበልኩም ኢየ፡፡)

ሃገር ብምልኣ ናብ ሰዓታት እቶ እቶ ኣብ ዝተቐየረትሉ ሳምንታት፡ ሳምሶን ንምሓዝ ኩለን ኣካላት ጸጥታ ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ እዋን ሃንደበት ብወገን ዞባ ደቡብ ንሃለዋት ሳምሶን ዝምልከት ፍንጭታት ተረኸበ፡፡ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ነበር መሓመድ ሓምድ (ግዳም ሓደር ወይ ከኣ ግሬነት) ሳምሶን ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ከምዘሎ ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ለኣኸ፡፡ ብተመሳሳሊ ካብ ኣዛዚ ስርሒት 03 ሜ/ጀ ዑሞር ጠዊል፡ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዝርከባ ኣሃዱታት፡ ካብ ኣዛዚ ክ/ሰ 31 ኮ/ል ክብሮም ዳኘው (ወዲ ኣቸቶ) ዝተለኣኸ ሓበሬታ ብዝብል “ነጋዳይ ሳምሶን ኣብ ን/ዞባ ዓረዛ ኣብ ደብሪ ኣቡነመንቀርዮስ ምስቶም ፈለስቲ ተዓቒቡ ከምዝርከብ” ብቐጥታ ንቤ/ጽ ፕረሲደንት ሓቢሩ፡፡

ቀጺሉ ኢሳይያስ ብቐጥታ ምስ መሓመድ ሓምድን ኮ/ል ክብሮም ዳኘው (ወዲ ኣቸቶ) ሬዲዮ ርክብ ጌሩ ነታ ገዳም ምሉእ ብምሉእ ኣኽቢቦም ጽኑዕ ሓለዋ ከካይዱላን “ኣድላይ ስጉምቲ ክወስዱ”፡ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ዘውጽኡ ኣብ ኩሎም ብሎኮታት ጽዑቕ ሓለዋ ከካይዱ ኣዘዘ፡፡ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓረዛ መሓመድ ሓምድ፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 31 ምስ ሓለቓ ስታፉ (ፊሒራ) ዝተወሰኑ እሙናት ኣባላት ኣኸቲሎም ናብ ዝባን ደብሪ ተጸጊዖም ሓዲሮም፡፡ ዕለት 19.10.2007 ሰዓት 10፡00 ከባቢ ክልተ ኣባላት ክ/ሰ 31 ናብ ውሽጢ እቲ ገዳም ከጻርዩ ተላኢኾም፡፡ ኣብ ጸብጻባት ከምተገልጸ ሳምሶን (ወዲ ቀሺ) “ኣነ ዝሰርሕኹዎ ገበን የብለይን ውጩ ወይ ዓፋን ጥራይ ጸውዑለይ፡ ንስኹም ትፈልጥዎ የብልኩምን” ኢሉ ከምዝመለሶምን “ናብታ ገዳም ክኣቱ ዝፍትን ሰብ እንተሎ ግን ክንለኻኸም ኢና” ኢሉ ከምዝመለሶምን እቶም ኣባላት ምስተመለሱ ሳልሳይ ርእሱ ከምዝነበረ ምግላጾም ይሕብር፡፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት “ትእዛዝ ኣድላይ ስጉምቲ ኢሳይያስ” ክፍጽም ወዲ ኣቸቶ፡ ንኣባላቱ ብሓደ ሸነኽ ክትኩሱ ኣዘዞም፡፡ ተኹሲ ምስ ተኸፍተ ሳምሶን ካብ ደብሪ ብሸነኽ ደቡብ ወጺኡ ፈለማ ብሽጉጥ ግብረ መልሲ ከምዝሃበ እቶም ምስኡ ዝነበሩ 2 ኣባላት ብካልእ ኣንፈት ከምዝሃደሙ ኣብ ጸብጻባት ተሰኒዱ ይርከብ፡፡

ድሕሪ ገለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነጋዳይ ሳምሶን ገረዝጊሄር (ወዲ ቀሺ) ብዕለት 19.10.2007 ካብ ኣባላት ክ/ሰ 31 ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ኣፍ ልቡ ተሃሪሙ ከምዝሞተን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ሃጓፍ ሓመድ ከምዘልበስዎ ብወዲ ኣቸቶን መሓመድ (ግሬነት)ን ዝተልኣኹ ጸብጻባት ይገልጹ፡፡ ኣብዛ ዕለት፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተረኸበት ናይ ሳምሶን ሄሊኩስ ዳብል ስፐርቴሎ መኪና 3 ክላሽን፡ 15 ወትሃደራዊ ኣልባሳት፡ 3 ሞባይላት፡ 3 ናይ ፖሊስ ታርጋን ካልኦት ደቀቕቲ ነገራትን ከምኡ እውን ኣብርሃም ኣስመላሽ ብዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዝወጸ ናይ ባንኪ ቡክ ተረኺቡ እዩ፡፡ ድሒሩ ኣብ ዝተኻየደ ምጽራይ እቶም ዝተረኸቡ ነገራት ካብ ኣሃዱታት ውጩን ዓፋንን ዝተዓደልዎ ምኻኖም ተረጋጊጹ’ዩ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

እቲ ንኣስታት 9 ዓመታት ተደጊሉ ዝጸንሐን ኩሉ ከከም ቅርበቱን ኣፍልጦኡን ክዛረበሉን ክትንትነሉን ዝፍትን ጉዳይ ነጋዳይ ሳምሶን (ወዲ ቀሺ) ምስ ዝርዝራቱ ነዚ ይመስል፡፡ እቲ ፈታዊ እምነቱን ሓጋዚ ድኻታትን ዝነበረ፡ ለዋህ ነጋዳይ ሳምሶን፡ ኣብ ከባቢ ደብሪ (ዓረዛ) ካብ ዝዓርፍ እንሆ 9 ዓመታት ኣቑጺሩ በዚ ኣጋጣሚ ንዓመታት ብሂወት ኣሎን የለን እንዳበልኩም ክትሻቐሉ ዝጸናሕኹም ስድራቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ክብል እፈቱ፡፡

እምበኣር ከስ እቲ “ምእንቲ’ቶም ጨካናት ሓራምዝ ዝሓለፉ መሳኪን ኣጉባዝ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሰየምኩዎ ጽሑፈይ ኣብ 5ይ ክፋል ዝጠቓለል ኮይኑ፡ ኢሳይያስ ንመዋእል ገቢሉ ዝወጸሉን ንሰዓብቱ ዘጉባዕበዐሉን “ኣብ ክንዲ ንገበነኛታት ምሕታት” ንምስኪን ነጋዳይ ሳምሶን ኣካሪጁ ዝደምደሞ መስደመም ድራማ እዚ እዩ፡፡

(ኣብ 5ይ ክፋል ብምኽንያት ሳምሶንን ፍቕረን ዝተኣሰሩ ዜጋታት፡ ህልው ኩነታቶምን ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ትንታነታትን ከቐርበልኩም’የ)

N.B- መሓመድ ሓምድ is in the first photo

ከምቲ ልሙድ ንኹሉ ክባጻሕ ሸር (share) ነብሎ ኣሕዋት!!

——-ይቕጽል———