ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ

እቲ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ልኡኽ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መሃነኑ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ እኳድኣ ካብ ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ጀሚሩ፣ ኣብ ታሕጓስን ሓዘንን፣ ራህዋን ጸገምን፣ ሓቢሩ ተጠሚሩን ጸኒዑን፣ ከምቲ ፍረ ዘለላ-ወይኒ ብዙሕ ወይኒ ኣብ ሓንቲ ዘለላ ወይኒ ተጠርኒፉ ዝርአ፣ ሓደ ዓሌት ዘይኮኑ ክነሶም፣ ጥሙራት ከም ዘለላ ወይኒ ኮይኖም እዮም ንክወሮም ዝመጽእ ባዕዳውያን ወረርቲ ብትብዓት መኪቶም ኣባህሪሮም ዝስዕሩዎ ነይሮም።

ንመረዳእታ

ወራር ኣዳል መሓመድ ግራኝ፣ ብመሪሕነት ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ብሓገዝ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ እዩ ተሳዒሩ። ደቂ ምድረ-ባሕሪ ንመሳፍንቲ ኣምሓራ እንተዘይርድኡዎም ነይሮም፣ ሎሚ መላእ ኢትዮጵያ መስሊሙ ምሃሎወ።

ወራር ቱርኪ ካብ 12 ዓመታት ንላዕሊ ካብ ሕርጊጎ ፈልከት ኢሉ ንድባርዋ ከይብገስ ሓኒቑ ዓጊቱዎ ነበረ። መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ግና ክጽግሞም ከሎ ጥራይ እዮም ረዳት ኢሎም ንደቂ ምድረባሕሪ ዝእውይዩ እምበር ምድረባሕሪ ክትውረር ከላ ሓጊዞም ኣይፈልጡ፣ የግዳስ “ኣብ ርእሲ ሓናትስ ጽግዕ“ ከምዝብሃል፣ ወራር ባዕዲ ንደቂ ምድረባሕሪ ከዳኽም ክዕዘቡ ከለው፣ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ እንዳወረሩ እዮም ቅሳነት ዝኸልዎ ነይሮም። ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ብሰንኪ መሳፍንቲ ኣምሓራ ከም ብዓል ንጉስ ሰርጸ ድንግልን ሚናስን፣ ካብ ዓውዲ ኲናት ሃዲሞም ንዓዶም ስለዝተዓዝሩ እዮም፣ ኣብ ዓዲ ቆራይ ከባቢ ተኸላ ብጅግንነት ተሰዊኦም።

ኣምሓራ ኣብ ውግእ እንተኾነውን ኣትኪሎም ክሳብ መውዳእታ ኣይምክቱን እዮም። እቶም ከም ነብሪ ዝምሰሉ ደቂ ምድረባሕሪ ግና ኲናት ምስ ገጠሙ ኣትኪሎም ድሎ ከይትዕሎ እሎም እዮም ንክወሮም ዝመጸ ወራሪ ዝስዕሩዎ።

ወራር ግብጺ ክመጽእ ከሎ እንተኾነውን፣ ካብ መሳፍቲ ኣምሓራ ሓገዝ ተረኺቡ ኣይፈልጥን። ከምኡ ስለዝኾነ ኩሉ ህዝቢ ባርካን ሳሕልን ሰኒሕትን ሰምሃርን ደንከልን ሎሚ ክርስትያን ኮይኑ ምሃለወ ነይሩ። ንወራር ቱርክን ግብጽን ንበይኑ ክምክቶ ስለዘይከኣለ፣ ሓገዝ ካብ መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራንን ምስ ሓተተ ረድኤት ስለዝስኣንር ክምስልም ተገዲዱ።

ማህዲ ብውዲት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንመተማ ምስ ወረረ ግና፣ ኣብ ኲናት መተማ ዝውዓሉ ትግራዎትን ደቂ ምድረ-ባሕሪ (ሎሚ ኤርትራውያ) ጥራሕ እምበር፣ መሳፍንቲ ኣምሓራ ኣብቲ ኲናት መተማ ኣይውዓሉን። ወራር ማህዲ ንመተማ ክወርር ምስ መጸ ግና ኩሎም ደቂ ምድረባሕሪ ኣብ ጎኒ ንጉስ የዋሃንስ 4ይ ተሰሊፎም እዮም ነቲ ጀጃዊ ብዓል ጀለብያ ማህዲ ኣብ ክልተ ምዓልቲ ዝወሰድ ኲናት ዝስዓሩዎ።

ኣብ ወራር ኮሎንያል ጣልያን እንተኾነውን፣ ብ27.ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. 75 ካብ ሚእቲ ደቂ ምድረባሕሪ እዮም ምስ ራእሲ ኣሉላ መኪቶም ስዒሮሞ። መሳፍንቲ ኣምሓራ ግና ኣይነበሩን።

እምብኣር ነዛ ብባህርያዊ ጸጋን፣ መኣዛ ዘለዎ ኣየራን፣ ቀይሕ ባሕሪ ባሕራን፣ ክሳብ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ሓሊዮማን ዓቂቦማን ዝጸንሑዋ ደቂ ምድረ-ባሕሪ እዮም። መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ብቅንዕና ምስ ኣሕዋቶም ደቂ ምድረባሕሪ እንተዝተሓባበሩ ነይሮም ግና፣ ኤርትራ ትኹን ኢትዮጵያ ብኮሎንያል ጣልያን ኣይምተደፋራን ኣይምተገዝኣን ድማ ነይረ።

ጭካኔ፣

እዚ ሎም ብመራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ጭካኔ ካበይ ዝተወረስ እዩ?

ኣብ እዋን 1578 ዓ.ም.ፈ. ባሐረ ነጋሲ ኢሳቕ ብዓል ድባርዋ ኣንጻር ቱርኪ እንዳተዋግኤ ከሎ፣ ሃጸይ ሰርጸ ድንግል ዝተባህለ መስፍን፣ ኣብ ዓውደ ውግእ ጠንጢኑዎም ስለዝሃደመ፣ ጅግና ባሕረነግሲ ኢሳቕ ኣብ ዓዲ ቆራይ (ከባቢ ተኸላ ኣውራጃ ሰራየ) ብጅግንነት ተሰዊኦም።

ድሕሪ 10 ዓመታት ሞት ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ፣ ወዲ እዙም ዝብሃል ጅግና ብሓረነጋሲ ኣብ ድባርዋ የመሓድር ነበረ፣ ንጉስ ሰርጸ ድንግል እንደገና ንብረትን ሃብትን ምድረባሕሪ ክዘምት ሰራዊቱ ኣኽቲቱ፣ ንባሕረንጋሲ ወዲ እዙም ስዓሮ፣ ክሳዱ ቆሪጹ ድማ በቶም ሰራዊቱ ሆ! ሆ! እናበሉ ከምዝፍክሩ ገበረ።

እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግና፣ኣብቲ ዘመን እቲ ብሳላ ደቂ ምድረባሕሪ እዮም ኣምሓራ ካብ መሓመድ ግራኝ ክድሕኑ ክኢሎም። ጠላም ግና ኣመሉ ኣይገድፍን ስለዝኾነ፣ እዞም ጠላማት መሳፍንቲ ኣምሓራ ግና ንደቂ ምድረባሕሪ ኩሉ ግዜ ምስጠለምዎም እዮም። ስለዚ እታ ጭካኔ እትብሃል ቃል፣ ዓዳ ካብ ጥንቲ ኣብ ትግራይን ኣብ ምድረ ኣምሓራን እያ ነይራ።

ብፍላይ መሳፍንቲ ትግራይ ካብ 1750 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም ክሳብ ኮሎንያን ጣልያን ንኤርትራ ዝወርር፣ ሰራዊቶም እንዳሰደዱ ንሰላሙን ሓድነቱን ክዘርጉ ብዙሕ ፈቲኖም እዮም።

ሓደ ውቤ ዝተባህለ ኣረሜን ኣምሓራይ፣ ኣራዊታዊ ዝኾነ ጭካኔ ኣብ ልዓሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ ፈጺሙ እዩ። ጸኒሑ ግና ብንጉስ ቴድሮስ ተቈንጺሉ።

ንጉስ የውሃንስ ነቲ ድማ ብሳላ ጸዓዘጋን ሃዘጋን እኳ ኣብ ስልጣን እንተደየበ፣ ንጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ብዓል ሃዘጋ ግና፣ ንሸቃ ኣሉላ ልኢኹ ብማሕላ ኣታሊሉ ምስሓየሮ፣ ኣብ ሓደ ግጂፍ ጉድጋድ ገጂፍ ገበል ዝነበሮ እዩ ደርብዩዎ። ጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ግና፣ ነቲ ገበል ብጋቢኡ ጠቕሊሉ እዩ ቀቲሉዎ።

ኣብ ኲናት ዓድዋ ኮሎንያል ጣልያን ብሳላ ምትሕብባር ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ እኳ እቲ ዓወት እንተተዛዘመ፣ መሳፍንቲ ትግራይ ብዓል መንገሻ ግና ነቶም ኢጣልያውያን ብዓጀባ ነስመራ ከፋንዉዎም ከለው፣ ንኤርትራውያን ግና “ባንዳ ጣልያን ኮንኩም“ ኢሎም ሓደ እግሮምን ኢዶምን ብጭቃኔ ቆሪጾሞም እዮም ብጭካኔ ሰጒጎምሞ።

እቶም ደቂ ደቆም ንብዓል ኣሉላን የውሃንስ ድማ ድሕሪ 100 ዓመታት ታሪኽ ደጊሞም፣ ንኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብጭካኔ ንብረቶም ወሪሶም ጉሒፎሞም እዮ።

እዚ ሎሚ ብመራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኢሰያስ ዝርአ ዘሎ ጭካኔ ድማ ካብቶም ኣባሓጎታቱ መሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ዝወረሶ ኮይኑ፣ ብምሃንድሳት ጽዮናውያን ድማ ዘመናዊ ጭካኔ ሰልጢኑ እንሆ መዘና ዘይብሉ ጭካኔ ይፍጽም ኣሎ።

ኣብ ምድረባሕሪ ጭካኔ ዝብሃል የልቦን፣ ሓደ ሓደ ሰባት ሰብ ቀቲሎም ይስደዱ ወይ ይሽፍቱ እምበር፣ ከምቲ ብመሳፍንቲ ትግራይን ኣምሓራን ዝፍጸም ዝነበረ ኣረሜናዊ ጭካኔ ኣብ ምድረባሕሪ ኣይነበረን። ብዙሓት ነባራት ተጋደልቲ ከዕልሉ ከለው፣ ኣቶም ኩሎም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ብኣረሜናዊ ጭካኔ ንጹሃት ተጋደልቲ መስንገሊኦም ኣምሊቖም ብዘስካሕክሕ ትንፋሶም ዘሕልፉ ፣ ኩሎም ወይ በዲኦም ወይ በብኦም ትግራዎት እዮም ይብሉ። ኣብ ሓለዋ እንዳሻዕብያ ዘይተፈጸመ ጭካኔ የለን። ክሳብ ሎሚውን ኣብተን ካብ 350 ዝኾና ኣብያተ ማሕቡሳት ዘለው ገረፍትን ቀጥቀጥን፣ ዋርያታትን መወለድ ትግራዎት ዘለዎም እዮም።

እቲ ዝገርም ድማ፣ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ብመሰረቱ ኣሕዋት እዮም። ደቂ ኣግኣዝያን ከኣ እዮም። እቶም መወለድ ትግራዎት ዘለዎም ኣብ ሓለዋ ሰውራ ክቕጥቅጡ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለውን፣ ከም ብዓል ሓጎስ ክሻን ኢሰያስን ጎይቶቶምን ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኢሎም ኣይኮኑን ኣረሜናዊ ጭካኔ ዝፍጽሙ ዘለው። ሕጂውን እንተኾነ ዋላ ካብትግራይ ዝተወልዱ ይጨክኑ እንበር፣ እቲ መበቆል ኩሉ ኤርትራውን ትግራዋይን ግና ሓደ እዩ።

ስኒትን ፍቕርን ሓድነት ወትን ንህዝቢ ትኤርትራን ትግራይን